ውሳኔ ጉዳይካ ካብ UNE ምስ መጽኣካ፡ ጉዳይካ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ተዋሂብዎ ኣሎ ማለት ኢዩ። እቲ ውሳኔ ወላ ኣይትሳማማዓሉ ድኣ እምበር፡ ትሕዝቶኡ ክትክተሎን ኣብ ግብሪ ከተውዕሎን ኢዩ ዘለካ። ኣብ ኖርወይ ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ ምንባር ምጅማር ከበድቲ ሳዕቤናት ከኸትለልካ ይኽእል ኢዩ።

ብዘይ ሕጋዊ ኣብ ኖርወይ ምጽናሕ ከም ንኣብነት ትስጐግን ንኖርወይ ንከይትኣቱ ትኽልከልን፡ ንንኖርወይ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናብ መብዛሕቲአን ሃገራት ኤውሮጳ ንክይትኣቱ እውን ትኽልከል። ክህልውኻ ዝነበሮም መሰላት እውን ይንፈጉኻ ኢዮም፡ ከምኒ ቊጠባዊ ሓገዝ ንሃገርካ ንምምላስን ኣብ ሃገርካ ከም ብሓድሽ መትከሊ እግሪ ዝዀውንን ዝኣመሰለኡን ኢዮም። እንታይ ስግኣት የኸትለልካን እንታይ ይንፈገካን ከከም ዓይነት ዝሓተትካዮ መንበር-ፍቓድን ኩነታት ጉዳይካን ኢዩ ዝውስኖ።

ምሕጽንታ ዳግመ-ቅየራ እንታይ ኢዩ፧

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት UNE ጉዳይካ ከም ብሓድሽ ንክርእይዎ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ጉዳይካ ዳግም ንክግመገም ዝቐርብ ዓይነት ምሕጽንታ ብጽሑፍ ኢዩ ክቐርብ ዘለዎ። እዚ ቅጺ እዚ ክትጥቀም ኣለካ፡ ወይ እውን ደብዳበ ብምስዳድ ኣብቲ ዘሕለፍናዮ ውሳኔ ዘሎ ጌጋ እንታይ ከም ምዃኑ ክትገልጾ ኣለካ። ኣብ ኖርወይ ዘለካ ኣድራሻ ክትሕብረና ኣለካ። ከም ልሙድ እውን ናብ ካልእ ውጽኢት ከብጽሕ ዝኽእሉ ሓደስትን ኣገደስትን ወይ እውን ሓደስቲ ሰነዳት ከተቕርብ ኣለካ።

እነሕልፎም ውሳኔታትና ሳሕቲ ኢና ንቕይሮም

ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝተፈላለዩ ዝተፈላለዩ ሕግታት ኢዮም ዘለው፡ ካብቲ ጉዳይ ጥራዓን ዝምልከቶ ዛዕባዊ ጉዳይ ወጻኢ ካልእ ፍቓድ ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና። ከም ንኣብነት እንተድኣ ጉዳይካ ብዛዕባ ሕቶ ዑቚባ ኰይኑ ኔሩ፡ ብምኽንያት ጥርናፈ ስድራቤት UNE ፍቓድ ኣይህበካን ኢዩ። ከምኡ እንተዀይኑ ሓድሽ ጉዳይ ኢዩ ክልዓል ዘለዎ፡ ንሱ ኸኣ UDI ኢዮም መጀመርታ ክግምግምዎ ዘለዎም። ዳግም ንክግመገም ምሕጽንታ ምስ ዝመጽኣና፡ ሓደስቲ ንዝመጽኡ ሓበሬታታት ናይቲ ጉዳይ ጥራይ ኢና ንግምግሞም። መብዛሕቲኡ እዋናት ድማ ሕጽር ዝበለ መልሲ ጥራይ ኢና ንህበሉ።

ሓደስቲ ሓበሬታታት ኣብ ጉዳያት ዑቚባ

ዘመልከትካዮ ጉዳይ ሕቶ ዑቚባኻ እንተድኣ ተነጺጉ፡ ነቲ ናይ ምንጻግ ውሳኔ ከቐይሮ ዝኽእል ሓደስቲ ሓበሬታታት ናይቲ ጉዳይ ክቐርቡ ክኽእሉ ኣለዎም። ብዛዕባኻ ከም ውልቂ ሰብ ወይ ብዛዕባ ሃገርካ ዝምልከቱ ንክትምለስ ዘስግኡ ሓደስቲ ሓበሬታታት እንተድኣ ኣልዩካ ትብል ኰይንካ፡ ከም ንቡር እቶም ዝቐርቡ ሓበሬታታት ንግምግሞም ኢና። ኣብ ገለ ገል ኣጋጣሚታት እውን ኩነታትካ ብርኩታትን ርኡያትን ለውጥታት ምስ ዝመጽኡ ውሳኔ ጉዳይካ ንክቕየረልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። መቐይሮ ክዀኑ ዝኽእሉ ኩነታት ከምኒ ቈልዓ ምውላድ ወይ ንህይወትካ ኣስጋኢ ዝዀነ ሕማም ምስ እትሓምም ዝኣመሰሉ ሓበሬታታት ኰይኖም ንጉዳይካ ልዑል ተራ ዘለዎም ምስ ዝዀኑን ኢዮም። ኣብ ገለ ፍሉያት ኩነታት ብምኽንያት ሓደስቲ ሕግታት ወይ መምርሒታት እውን ጉዳይካ UNE ንክርእይዎ ዘኽእል ኩነታት ብምህላው ምስ እትሓትት ከም ብሓድሽ ክርእዩልካ ይኽእሉ ኢዮም።

ተሰጒገ ክነሰይ ኣብ ጉዳየይ ሓደስቲ ኩነታት ምስ ዝህልው ኸ፧

ንኖርወይ ንከይትኣቱ ዝተወሰነልካ ክልከላ ንክልዓለልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ካብ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ናይ ኖርወይ ኤምባሲ ወይ ቈንስላዊ ቤት ጽሕፈት ኢኻ ንክልዓለልካ ክትሓትት ዘለካ፡ ኣብ ኖርወይ ኰይንካ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ፍሉይ ኩነታት ኣቲ ክልከላ ብUNE ክልዓል ይኽእል ኢዩ። ንሓጺር በጽሒ ዝዓለመ ጉዑዞ ንኖርወይ ንክትኣቱ እውን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ፡ ከምዚ ዓይነት ፍቓድ ኣመልኪትካ ክወሃበካ እንተዀይኑ ግና፡ ከም ልሙድ ክልተ ዓመታት ከይሓለፈ ከተምልክት ኣይትኽእልን ኢኻ።

ብዛዕባ መንበር-ፍቓድን ዜግነትን ዝምልከቱ

እንተድኣ UNE ብፈለምኡ ነጺጐምኻ ኔሮም፡ ብመሰረቱ ንUDI ኢኻ ከተመልክት ዘለካ።

ዘቕረብክዎ ምሕጽንታይ ብUNE እናተራእየ እንከሎ ኣብ ኖርወይ ክጸንሕ እኽእል ድየ፧

ኣይፋልን፡ ጉዳይካ ዳግማይ ንክርአን ክቕየርን ዝቐርብ ምሕጽንታ ኣብ ኖርወይ ንክትጸንሕ መሰል ኣየውህበካን ኢዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ግዝያዊ መጽንሕ-ፍቓድ ንህበካ ኢና። እቲ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ንከይውዕል ይጸንሕ ማለት ኢዩ፡ እንተ ነጽንሓዮ ኣይነጽንሓዮ ብጽሑፍ ኢና ንሕብረካ፡ ከም ልሙድ ኣብ ሰለስተ ቕነ ድሕሪ እቲ ምሕጽንታኻ ምስ ተቐበልና ኢና ነፍልጠካ። እንተድኣ ንክትጸንሕ ዘይኣፍቂድናልካ ካብ ኖርወይን ክሊ ሸንገንን ብፍቶትካ ክትወጽእ ኣለካ። እንተድኣ ዘይወጺኻ፡ ብፖሊስ ተታሒዝካ ኢኻ ትወጽእ። ብጀክኡ ኸኣ ንመላእ ኖርወይን ከም ሉምድ ድማ ካብ መላእ ክሊ ሸንገንን ትስጐግን ተመሊስካ ንክይትኣቱ ትኽልከልን።

መዓስ ኢዩ መልሲ ዝወሃበኒ፧

ብቐዳምነት ዳግም ንክርኣየልካን ክቕየረልካን ዝሰደድካዮ ምሕጽንታ UNE ከም ዝተቐበልዎ ዝሕብር መረጋገጺ ብቅልጡፍ መልሲ ይወሃበካ ኢዩ። ጉዳይካ ንክግምገም ዝወስደሉ ግዜ ይፈላለ ኢዩ። ብዛዕባ ግዜ ትጽቢት ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

በጀካ UNE ክቕጽለሉ ዝኽእል ካልእ ላዕለዋይ ኣካል ኣሎ ዶ፧

ብወገንካ UNE ዝገበርዎ ጌጋ ኣሎ ትብል እንተዀይንካ ጥርዓን ከተቕርበሉ እትኽእል Sivilombudet (Norwegian/English only) ዝብሃል ሲቪላዊ ተጸዋዒ ኣካልኣሎ። እዚ ተጸዋዒ ኣካል እዚ ንውሳኔ ጉዳይካ ክቕይሮ ኣይክእልን ኢዩ፡ ብዛኦባ እቲ ጉዳይካ ዝምልከት ርእይቶኡ ክህብ ግና ይኽእል ኢዩ።

ንUNE እውን ንቤት ፍርዲ ክትከሶም ትኽእል ኢኻ። ጠበቓ ወይ ሕጋዊ ኣማኻሪ ንክትኸሶም ክሳብ ዘይመኸረካ ግና ክትውዕሎ ኣይግባእን። ንቤት ፍርዲ ምኽሳስ ማለት ከኣ እቲ UNE ዘሕለፍዎ ውሳኔ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪብካ ሕጋውነቱ ምውራድ ማለት ኢዩ። እንተድኣ ጉዳይ ቤትፍርዲ ተሳዒርካ፡ UNE ንቤት ፍርዲ ኢሎም ዘውጽእዎ ወጻኢታት ንክትኸፍሎ ክትእዘዝ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ብወገንካን ብወገን ጠበቓኻን ንቤት ፍርዲ ኬድኩም ድልዱል ጉዳይ ሃሊኩም ንክትዕወቱ ልዑል ዕድል ኣለና ኢልኩም ክትሓስብሉ ይግባእ።

ጉዳይ ቤት ፍርዲ ክሳብ ዝሓልፍ ኣብ ኖርወይ ንክትጸንሕ ከም ብቐጥታ ከም ውሁብ ኣይትውሰዶ። ኣብ ገለ ገለ እዋናት ዝፍቀደልካ ኣሎ፡ ኣብ ካልእ እዋናት ከኣ ዘይፍቀደልካ ኣሎ። ክሳብ ጉዳይ ቤት ፍርድኻ ዝሓልፍ ኣብዚ ንክትጸንሕ እንተ UNE ወይ ቤት ፍርዲ ክውስኑልካ ኣለዎም። እንተዘይኰይኑ ንሃገርካ ኬድካ ኣብ ሃገርካ ንክትጽበ ግዴታኻ ኢዩ።