እዚኣ ሰልማ እያ።.
ሰልማ ኩዑሶእግርን ጊታርን ምጽዋት ትፈቱ እያ።.
ሰልማን ስድራቤታን ኣብ ኖርወይ ንክቕመጡ ድልየት ኣለዎም፡ በቶም UDI ዝብሃሉ ግና ኣይፍቀደኩምን እዩ ተባሂሎም። ስለዚ ድማ ጥርዓን ኣቕሪቦም ኣለው፡ እቲ ጥርዓኖም ድማ UNE ዝብሃሉ ሒዞሞ ኣለው ሕጂ።
ነቲ ጉዳዮም UNE ከም ብሓድሽ ክርእዮ እዩ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሰልማን ስድራቤታን ኣብ ኖርወይ ንክቕመጡን ከይቕመጡን UNE ኢዮም ዝውስንዎ።
UNE ጉዳያት ቈልዑ ርእዮም ክውስኑ እንከለው፡ ከም ንኣብነት ሰልማን ስድርቤታን ኣብ ኖርወይ ይቀመጡ ዶ ኣይቀመጡ ኢሎም ክውስኑ እንከለው፡ ነቶም ቈልዑ ዝሓሸ ክኸውን ዝኽእል እንታይ እዩ ኢሎም ኢዮም ዝሓስቡ። ነቶም ቈልዑ ዝሕሾም ግና ከመይ ጌሮም ይፈልጥዎ፧ እቶም ቈልዑ ዝብልዎ ምስማዕ ድማ ሓደ ዓይነት ኣገባብ ይኸውን።
ምኽንያቱ ኩሎም ቈልዑ ብዛዕባ ዝምልከቶም ጉዳያት ክስምዑን ክሕለየሎምን መሰል ስለ ዘለዎም።
ብዛዕባ እዚ መስለ እዚ ኣብ ውዕል መሰላት ቈልዑ ሕቡራት ሃገራት ብጽሑፍ ሰፊሩ ኣሎ።
እዚ ማለት ከኣ፡ ኣብቲ ንሰልማ ወይ ንስድራቤታ ዝምልከት ጉዳያት ሓሳባታን ርእይቶኣን ከተቕርብ መሰል ኣሎዋ ማለት እዩ።
UNE ንጉዳይ ሰልማን ስድራቤታን ክርእይዎ እንከለው፡ ብዛዕባ ሰልማ ዘሎዎም ኣፍልጦ እኹል ከም ዝዀነን እቲ ንሰልማ ይሓይሽ እዩ ዝብልዎ ድማ ይፈልጥዎ ከም ምዃኖምን ግድን ርግጸኛታት ክዀኑ ኣለዎም።
ሰልማ ሓሳባታ ንUNE ከተቕርበሎም እትኽእለሉ ኣገባባት ብዙሕ እዩ። ንሓደ ዓቢ እትኣምኖ ሰብ ከተዛራርቦ ትኽእል እያ፡ ከም ንኣብነት ሓደ ወላዲ፡ ተኻታታሊት ጥዕና ኣደን ቈልዑን፡ መምህር፡ ኣሰልጣኒ ኵዑሶእግሪ፡ ጠበቓ ወይ ከኣ ካልእ ዓቢ ሰብ ዝኣመሰሉ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።
እቲ ዝነገርኩኹም ጽሒፍኩም ሓዝዎ እሞ ነቶም ኣብ UNE ዝሰርሑ ኩሉ ንገሩለይ ኢላ ክትሕብርም ትኽእል እያ ሰልማ።
ደብዳበ እውን ባዕላ ክትጽሕፍ ትኽእል እያ ሰልማ፡ ወይ ክኣ ብኢ-ሜይል፡ ወይ እውን ብስእሊ ስኢላ ከተቕርቦ ትኽእል እያ። እንተደልያ እውን ንሓደ ዝደለየቶ ዓቢ ሰብ ሓግዘኒ ኢላ ክትሓትት ትኽእል እያ።
ኣብ ገለ ገለ እዋናት UNE ነቶም ቈልዑ መጺኦም ምስ UNE ንክዛራረቡ ዕድል ይህብዎም ኢዮም። እዚ ከም ከም ፍቶትካ እዩ፡ ዝደለኻዮን እትኣምኖን ዓቢ ሰብ ምሳኻ ክትማላእ እውን ትኽእል ኢኻ።
UNE ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎም። እዚ ማለት ከኣ ብጀካ እቶም ኣብቲ ጉዳይ ናይ ሰልማ ዝሰርሑ ካላኦት ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዘይምለከቶም ሰባት፡ ሰልማ እንታይ ኢላ ከም ዝተዛረበት ዝፈልጥ ወላ ሓደ እውን የለን ማለት ኢዩ።
ሰልማ ንUNE ርእይቶኣ ምስ ሃበቶም ኢዮም ንጉዳይ ስድራቤታ ዝርእይዎ። ሰልማ ርእይቶኣን ሓሳባታን ስለ ዝተሰምዐት እንታይ ክግበር ከም ምዃኑ ትውስን ኢያ ማለት ግን ኣይኰነን። ኣብዚ ጉዳይ ናይ ምውሳን ሓላፍነት ዘለዎም UNE ኢዮም። እዞም ስድራቤት ኣብ ኖርወይ ንክቕመጡ ኣይፍቀዶምን እዩ ኢሎም እንተመሊሶም፡ ብሰንኪ ሰልማ ብፍጹም ክኸውን ኣይክእልን እዩ።
ጹማቝ፡
ቈልዑ ንክስምዑ መስል ኣለዎም። እዚ ማለት ከኣ ኣብቲ ንቈልዑ ዝምልከት ጉዳያት ቈልዑ ክስምዑን ክሕለየሎምን መሰል ኣለዎም ማለት እዩ።
እቶም ቈልዑ ምስ ዘይደልዩ ግና ኣይግደዱን ኢዮም።
ስራሕ UNE ቈልዑ ዝብልዎ ምስማዕ እዩ።
ሓደ ስድራቤት ኣብ ኖርወይ ንክቕመጡን ከይቕመጡን ቅድሚ UNE ምውሳኑ፡ ነቶም ቈልዑ ዝሓሸ እንታይ ኰን ይኸውን ብምባል እዩ ኩሉ ግዜ ክሓስብ ዘለዎ።