ኣብቲ ካብ UNE ዝመጻካ ውሳኔ ወረቐት ካብ ኖርወይ ክትወጽእ ኣለካ ዝብል እንተድኣ ተጻሒፍዎ ኣሎ፡ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ኣገዳሲ ኢዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት እንታይ እንታይ ከም ዝካየድ ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሕቶ ጉዳይ ዑቚባኻ እንተድኣ ተነጺጉ፡ ካብ ኖርወይ ምዓስ ክትወጽእ ከም ዘለካ ገደብ ዕለተ-ምውጻኣ እውን ተዋሂቡካ ኣሎ። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ተወሲኑልካ ዘሎ ገደብ ናይ ምውጻእ ዕለት ንክትወጽእ ግዴታኻ ኢዩ።

ንሃገርካ ንምምላስ ብውድብ ዓለምለኻዊ ፍልሰታ/IOM ቊጠባዊ ደገፍን ሓገዝን ክወሃበካ ይከኣል ኢዩ።

ንውድብ ዓለምለኻዊ ፍልሰታ/ International Organization for Migration (ዘገዳማዊ መራኸቢ) ንዓደይ ክመልስ ደልየ ኣለኹ ሓግዙኒ ክትብሎም ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ካብ UNE ዝመጻካ ውሳኔ ወረቐት እንታይ ዓይነት ደገፋት ክወሃበካ ከም ዝከኣል ዝያዳ ሓብሬታታት ተጻሒፉ ኣሎ። ብዛዕባኡ ዝምልከት ኣብዚ እውን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡ UDIs nettsider (ዘገዳማዊ መራኸቢ). ። እንተድኣ ገደብ ዕለተ-ምውጻእካ ከይኣኸለ ኣቐዲምካ ኣመልኪትካ ዝያዳ ደገፍ/ሓገዝ ይወሃበካ ኢዩ። 

  • ፖሊስ ሒዞም ካብ ኖርወይ ከውጹኡኻ ይኽእሉ ኢዮም።
  • እንተድኣ ስድራቤት ኣለካ ኰይኑ፡ ፖሊስ ብሓንሳብ ከውጽእኹም ክፍትኑ ኢዮም።
  • እንተድኣ ብፖሊስ ተመሊስካ፡  ወጻኢታት መምለሲኻ ከይከፈልካ ንኖርወይ ተመሊስካ ክትመጽእ ኣይትኽእልን ኢኻ።
  • ኣብ ኖርወይ ብዘይ ሕጊ ስለ ዝጸናሕካ ካብ ኖርወይን ካብ ካልኦት ክሊ ሃገራት ሸንገንን ክትስጐግ ትኽእል ኢኻ፡ ናብ ብምልኡ ክሊ ሃገራት ሸንገን ንከይትኣቱ ኸኣ ካብ 1-5 ዓመታት ትእገድ።
  • ኣብ ኖርወይ ክትሰርሕ ኣይፍቀደካን ኢዩ። እንተሰሪሕካ ኸኣ፡ ክትስጐግ ትኽእል ኢኻ።
  • እንተድኣ ኣብ መዓስከር ሓተቲ ዑቕባ ትቕመጥ ኰይንካ፡ ዝወሃበካ ክፍሊት ገንዘብ ውሕድ ዝበለ ይዀውን።

እንተድኣ ንሕቶ ጉዳይ ዕቚባኻ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ክትርእዮ ስለ ዝዀነት ብዝብል ተነጺግካ፡ ውሳኔ ጉዳይካ ጉዳይ-ደብሊን ይዀውን።

ጉዳይ ጥርዓንካ እናርኣናልካ ኣብ ኖርወይ ንክትጸንሕ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ጉዳይካ እናርኣናልካ ድማ ኣብ ኖርወይ ንክትጸንሕ ይፍቀደካ ድዩ ኣይፍቀደካን ብዝብል ይንገረካ ኢዩ። መብዛሕቲኦም ኣብ ኖርወይ ንክጸንሑ ኣይፍቀዶምን እዩ።

  • ፖሊስ ሒዞም ናብታ ጉዳይካ እትርእዮ ሃገር ይሰዱኻ።
  • እንተድኣ ስድራቤት ኣለካ ኰይኑ፡ ፖሊስ ብሓንሳብ ከውጽእኹም ክፍትኑ ኢዮም።
  • ኣብ ኖርወይ ብዘይ ሕጊ ስለ ዝጸናሕካ ካብ ኖርወይን ካብ ካልኦት ክሊ ሃገራት ሸንገንን ክትስጐግ ትኽእል ኢኻ፡ ናብ ብምልኡ ክሊ ሃገራት ሸንገን ንከይትኣቱ ኸኣ ካብ 1-5 ዓመታት ትእገድ።
  • ኣብ ኖርወይ ክትሰርሕ ኣይፍቀደካን ኢዩ። እንተሰሪሕካ ኸኣ፡ ክትስጐግ ትኽእል ኢኻ።
  • UNE ጉዳይካ እናርኣይዎ ኣብ ኖርወይ ንክትጸንሕ ምስ ዝፍቀደካ፡ ክሳብ ውሳኔ ካብ UNE ዝመጽኣካ ኣብ ኖርወይ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ።

እንተ ተሶጒካ፡ ካብ ኖርወይ ንክትወጽእ ግዴታ ኣለካ። ኣብ ካልእ ሃገረ-ሸንገን መንበሪ ፍቓድ ምስ ዘይህልወካ ካብ ክሊ ሃገራት ሸንገን ግድን ክትወጽእ ኣለካ።

UNE ጉዳይካ እናርኣይዎ ኣብ ኖርወይ ከይተፈቐደካ እንተ ጸኒሕካ፡ ብዘይ ሕጊ ስለ ዝጸናሕካ ካብ ኖርወይ ብቕጽበት ክትወጽእ ኣለካ።

ጉዳይካ እናተራእየ ኣብ ኖርወይ ንክትጸንሕ ተፈቒዱካ እንተኔሩ፡ ካባና ካብ ኖርወይ ክትወጽኣሉ ዘለካ ገደብ ዕለተ-ምውጻእ ይወሃበካ። እቲ ገደብ ዕለተ-ምውጻእ ኣብ ቀዳማይ ገጽ እቲ ውሳኔ ይርከብ።

ካብታ ካብ ኖርወይን ክሊ ሸንገንን እትወጽኣላ ዕለት ድማ ኢዩ እቲ ናይ ምእታው እገዳ ዝጅምር። ስለዚ ድማ ኣብ እተወጽኣሉ እዋን ንሰበ ስልጣን ኖርወይ ክትወጽእ እንከለኻ ክትሕብሮም ኣገዳሲ ኢዩ። ከም ንኣብነት ንፖሊስ ክትሕብሮም ትኽእል ኢኻ።

ካብ ኖርወይ ምስ ዘይትወጽእ ኸ፧

  • ፖሊስ ሒዞም ካብ ኖርወይ ከውጽኡኻ ይኽእሉ ኢዮም።
  • እንተድኣ ክወጽኡ ዘለዎም ስድራቤት ኣለውኻ ኰይኖም፡ ፖሊስ ብሓንሳብ ከውጽኹም ክፍትኑ ኢዮም።
  • እንተድኣ ብፖሊስ ተታሒዝካ ተሶጒካ፡ ወጻኢታት መስጐጊኻ ከይኸፈልካ ንኖርወይ ክትምለስ ኣይትኽእልን ኢኻ።
  • እንተድኣ ኣብ ኖርወይ ይኹን ኣብ ካልእ ሃገረ-ሸንገን ብዘይ ፍቓድ ምቕማጥካ ቀጺልካ ወይ ሰሪሕካ ከም ብሓድሽ ክትስጐግ ትኽእል ኢኻ። ናይ ምእታው እገዳኻ ኽኣ ከም ብሓድሽ ክናዋሕ ይኽእል።
  • ካብታ ካብ ኖርወይን ክሊ ሸንገንን እትወጽኣላ ዕለት ድማ ኢዩ እቲ ናይ ምእታው እገዳ ዝጅምር። ስለዚ ድማ ኣብ እተወጽኣሉ እዋን ንሰበ ስልጣን ኖርወይ ክትወጽእ እንከለኻ ክትሕብሮም ኣገዳሲ ኢዩ። ከም ንኣብነት ንፖሊስ ክትሕብሮም ትኽእል ኢኻ።

ሕቶ ጉዳይ መንበሪ ፍቓድካ እንተድኣ ተነጺጉ፡ ካብ ኖርወይ ግድን ክትወጽእ ኣለካ። ኣብ ኖርወይ ክትህሉ ኣይፍቀደካን ኢዩ ማለት ኢዩ። እንተድኣ ህላዌኻ ኣብ ኖርወይ ቀጺልካ፡ ህላዌኻ ኣብ ኖርወይ ሕጋውነት የብሉን ማለት ኢዩ።

ጉዳይካ እናተራእየ ኣብ ኖርወይ ንክትጸንሕ ተፈቒዱካ እንተኔሩ፡ ካብ ኖርወይ ክትወጽኣሉ ዘለካ ገደብ ዕለተ-ምውጻእ ካባና ይወሃበካ ኢዩ። ካብ ኖርወይ ኣብ ውሽጢ እቲ ተወሲኑልካ ዘሎ ገደብ ዕለተ-ምውጻእ ንክትወጽ ግዴታ ኣለካ ማለት እውን ኢዩ። እቲ ገደብ ዕለተ-ምውጻእ ኣብ ቀዳማይ ገጽ እቲ ውሳኔ ይርከብ።

እንተድኣ ኣብ ኖርወይ ከይተፈቐደካ ከሎ ተቐሚጥካ ጸኒሕካ፡ ብቕጽበት ክትወጽ ኣለካ። ካብ ኖርወይ ክትወጽኣሉ ዘለካ ገደብ ዕለተ-ምውጻእ ተዋሂቡካ ኔሩ ማለት ኢዩ፡ ካብ ኖርወይ ንክትወጽእ ድማ ዛጊት ግዴታ ኣለካ ማለት ኢዩ።

ካብ ኖርወይ ምስ ዘይትወጽ እንታይ ትዀውን፧

  • ፖሊስ ሒዞም ካብ ኖርወይ ከውጽኡኻ ይኽእሉ ኢዮም።
  • እንተድኣ ክወጽኡ ዘለዎም ስድራቤት ኣለውኻ ኰይኖም፡ ፖሊስ ብሓንሳብ ከውጽኹም ክፍትኑ ኢዮም።
  • እንተድኣ ብፖሊስ ተታሒዝካ ተሶጒካ፡ ወጻኢታት መስጐጊኻ ከይኸፈልካ ንኖርወይ ክትምለስ ኣይትኽእልን ኢኻ።
  • እንተድኣ ኣብ ኖርወይ ይኹን ኣብ ካልእ ሃገረ-ሸንገን ብዘይ ፍቓድ ተቐሚጥካ ወይ ሰሪሕካ ክትስጐግ ትኽእል ኢኻ። እንተድኣ ተሰጒካ፡ ንከይትኣቱ ትእገድ። ኢዚ ማለት ከኣ እንተ ንገለ እዋን ወይ ንኩሉ ግዜ ንኖርወይ ክትምለስ ኣይትኽልን ኢኻ ማለት ኢዩ፡ ከም ልሙድ እውን ንብምልኡ ክሊ ሃገራት ሸንገን ዝምልከት ኢዩ።

እንተድኣ UNE መንበሪ ፍቓድካን ናይ ኖርወይ ዜግነትካ ኣንሳሒቦሞ ኣሎውን ምስኡ ኸኣ ተሶጒካን

እንተድኣ UNE መንበሪ ፍቓዳትካ ኣንሳሒቦሞ ኣሎውን ምስኡ ኸኣ ተሶጒካን፡ ካብ ኖርወይ ንክትወጽእ እውን ገደብ ዕለተ-ምውጻእ ይወሃበካ ኢዩ። UNE ናይ ኖርወይ ዜግነትካ ምስ ዘንሳሕብዎን ምስ ዝሶጒኻን እውን ከምኡ። ኣብ ውሽጢ እቲ UNE ዝወሰኑልካ ገደብ ዕለተ-ምውጻእ ካብ ኖርወይ ንክትወጽእ ግዴታ ኣለካ። ኣብ ካልእ ሃገረ-ሸንገን መንበሪ ፍቓድ ምስ ዘይህልወካ እውን ካብ ክሊ ሸንገን ክትወጽእ ኣለካ። እቲ ገደብ ዕለተ-ምውጻእ ኣብቲ ቀዳማይ ገጽ ውሳኔ ናይ UNE ይርከብ።

እንተድኣ UNE መንበሪ ፍቓድካ ኣንሳሒቦምን መንበሪ ፍቓድካ ኣብ ኖርወይ ዘየሐደሱልካን ኰይኖም

እንተድኣ UNE መንበሪ ፍቓድካ ኣንሳሒቦምን መንበሪ ፍቓድካ ኣብ ኖርወይ ዘየሐደሱልካን ኰይኖም፡ ከም ንቡር ካብ ኖርወይን ክሊ-ሸንገንን ንክትወጽእ ግዴታኻ ኢዩ። UNE ናይ ኖርወይ ዜግነትካ ምስ ዘንሳሕብዎን መንበሪ ፍቓድካ ምስ ዘየሐድስዎን እውን ከምኡ። ኣብቲ ውሳኔ ናይ UNE ካብ ኖርወይ ንክትወጽእ ግዴታ ኣለካ ዶ የብልካን ይጽሕፍዎ ኢዮም። ንክትወጽእ ግዴታኻ እንተድኣ ኰይኑ፡ ካብ ኖርወይ ምዓስ ክትወጽእ ከም ዘለካ UNE ይውስንዎ ኢዮም። እቲ ገደብ ዕለተ-ምውጻእ ኣብቲ ቀዳማይ ገጽ ውሳኔ ናይ UNE ይርከብ።

ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነልካ ገደብ ዕለተ-ምውጻእ ካብ ኖርወይ ምስ ዘይትወጽ ከ እንታይ ትኸውን፧

  • ፖሊስ ሒዞም ካብ ኖርወይ ከውጽኡኻ ይኽእሉ ኢዮም።
  • እንተድኣ ክወጽኡ ዘለዎም ስድራቤት ኣለውኻ ኰይኖም፡ ፖሊስ ብሓንሳብ ከውጽኹም ክፍትኑ ኢዮም።
  • እንተድኣ ብፖሊስ ተታሒዝካ ተሶጒካ፡ ወጻኢታት መስጐጊኻ ከይኸፈልካ ንኖርወይ ክትምለስ ኣይትኽእልን ኢኻ።
  • ኣብ ኖርወይ ብዘይ ሕጊ ስለ ዝጸናሕካ ካብ ኖርወይን ካብ ካልኦት ክሊ ሃገራት ሸንገንን ክትስጐግ ትኽእል ኢኻ፡ ናብ ብምልኡ ክሊ ሃገራት ሸንገን ንከይትኣቱ ኸኣ ካብ 1-5 ዓመታት ትእገድ።
  • ኣብ ኖርወይ ክትሰርሕ ኣይፍቀደካን ኢዩ። እንተሰሪሕካ ኸኣ፡ ክትስጐግ ትኽእል ኢኻ።

እንተድኣ UNE መንበሪ ፍቓድካ ኣንሳሒቦሞን  ሓድሽ ምልክታ መንበሪ ፍቓድካ ርእዮም ንክውስንዎ ትጽበ ኣሊኻን

እንተድኣ UNE መንበሪ ፍቓድካ ኣንሳሒቦሞን  ሓድሽ ምልክታ መንበሪ ፍቓድካ ርእዮም ንክውስንዎ ትጽበ ኣሊኻ ኰይንካ፡ እቲ ሓዲሽ ምልክታኻ እናተራእየ ኣብ ኖርወይ ንክትህሉ መሰል ክህልወካ ይኽእል ኢዩ። ንዜግነትካ እንተ ኣንሳሒቦሞ እውን ከምኡ። ብልክዕ ዝምልከተካ መሰላት ከመይ ይመስል ንዝብል ኣብቲ ውሳኔ ናይ UNE ተጻሒፉ ዘሎ ሓብሬታታት ተመልከት።

እንተድኣ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኖርወይ መንበሪ ፍቓድ ኔርካ ዝፈልጥ ኰይኑ፡ ብእኡ ምኽንያት ዕለተልደት ናይ ኖርወይ ተዋሂቡካ ኔሩ፡ በዚ መሰረት ድማ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ኖርወይ ካብ ሃገረ ኖርወይ ከም ዝገዓዝካ ኢኻ ትምዝገብ። ንዓኻ ዝምልከት ብርክት ዝበሉ ሳዕቤናት ኣሎዎ። ኣብ ከምኒ ሕክምና፡ ቤት ትምሀርቲን ናቭን/NAVን ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ኣገልጉሎታት ንክትጥቀም ጸገማት ክፈጥረልካ ይኽእል ኢዩ።

እንተድኣ ካብ ዕለት 1 ጥቅምቲ 2017 ኣትሒዝካ ኢኻ ካብ ኖርወይ ከም ዝገዓዝካ ተመዝጊብካ ዘለኻ ዝብል ሃልዩ፡ ብወገንካ ኣብያተ ጽሕፈት ጉዳያት ወጻእተኛታት/UDI ተጋግዩ ኢዩ ትብል እንተዀንካ ኣብ ገጽ መርበብ ሓበሬታታት ናይ UDI እትርከብ ቅጥዒ መላሊእካ ስደዳ፡ må du fylle ut og sende inn et skjema som du finner på UDIs sider.