ምርኣይ ጉዳያት ኣብ ሰለስተ ደርጃ
ኡነ / UNE ይግባይ ሰማዒ ኣካል እዩ
ናትና ስራሕ ኣብ ኡነ/UNE ነቲ ኡደኢ/UDI ዝሃቦ ውሳኔ ቅኑዕ ምዃኑ ምቁጽጻር እዩ። ገለ ሰባት ነቲ ብኡደኢ/UDI ዝተወሃቦም ናይ ምንጻግ ውሳኔ ይግባይ ምስ ዝሓቱ፣ ጉዳዮም ንሕና ከም ብሓድሽ ንርእዮ። ንሕና በቲ ናይ ኡደኢ/UDI ውሳኔ ቅዩዳት ኣይኮንናን፣ ግና ሓደ ዓይነት ሕጊን ኣገባብን ኢና ንኽተል። ስለዚ ዝበዝሑ ናይ ምንጻግ ውሳኔ ዝተወሃቦም ኣይቅየሩን እዮም።

ኡነ/UNE ንጉዳይካ ምድላው ይገብረሉ
ጉዳይካ ምስ መጸና፡ ካባና መልእኽቲ ክስደደልካ እዩ። ዝበዝሑ ጉዳያት ኣብ ኡነ/UNE ዝርኣዩ፡ ምስቲ በዓል ጉዳይ ከይተዘራረብና ኢና ንርእዮም። ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣቐዲሙ እቲ ጉዳይ ብኡደኢ/UDI ተራእዩ ስለ ዝጸንሐ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ጉዳይካ ምምጻእ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ግና ነምጽእ ኢና።

ምግምጋም ጉዳይካ ኣብ ኡነ/UNE
ንሕና ኩሉ ንጉዳይካ ዝምልከት ሓበሬታታትን ነቲ ኩሉ ዝጸሓፍካዮ ናይ ይግባይ ጥርዓንን ንግምግሞ። እዚ ሓበሬታ'ዚ ምስቲ መሳሪሒና ሕጊ ዝብሎ ነረኣእዮ። ኩሉ ግዜ ጉዳይካ እንተወሓዱ ብክልተ ሰባት እዩ ዝርኣ።

መልሲ ብጽሑፍ ካብ ኡነ/UNE ይስደደልካ
ጉዳይካ ርኢና/ገምጊምና ምስ ወዳኣና፡ ካባና ብጽሑፍ ናይ ውሳኔ መልሲ ክመጸካ እዩ። እዚ ማለት ድማ ጉዳይካ፣ ብኡደኢን/UDI ብኡነን/UNE ድሕሪ ምርኣዩ፣ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ተዋሂብዎ፡ ተወዲኡ ማለት እዩ። እንተድኣ እቲ ጉዳይካ ናይ ምንጻግ ውሳኔ ተዋሂብዎ፣ ካልእ ይግባይ ትብለሉ ኣካል የለን።