Facebook Twitter LinkedIn Please note that not all the information on this page is available in Tigrinya ብዛዕባ ጉዳይካ ኣብ ኡነ/UNE ጉዳይካ ብኸምዚ ይርኤ Norsk ( Norwegian ) English ( English ) العربية ( Arabic ) پښتو ( ፓሽቶ ) Prs ( prs ) Soomaali (Soomaaliya) ( Somali (Somalia) ) ትግርኛ (ኤርትራ) ( ትግርኛ (ኤርትራ) ) ምርኣይ ጉዳያት ኣብ ሰለስተ ደርጃ ኣብ UNE ጉዳይ ንዘለካ ዝርርብ-ተዳልዎ ኣብ ገሊኦም ጉዳያት ምስቲ ዝምልከቶ ብዓል ጉዳይ ኢና ክንዛራረብ ንደሊ። ንምድላዋት ዝዓለመ ዝርርብ ንምክያድ ድማ ክንጽውዓካ ንኽእል ኢና ማለት ኢዩ። ኣብ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ዝርኣዩ ጉዳያት ኣየኖት ኢዮም፧ እቶም ዝበዝሑ ጉዳያት ኣብ UNE ብዘይ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ኢዮም ዝውሰኑ። እንተድኣ ቅኑዕ ውጽኢት እቲ ጉዳይ ከመይ ከም ምዃኑ ተጣራጢርናሉ ግና፡ ብሽማግለኣዊ ኣኼባ ኢና ንውስኖ። ኩሎም ቈልዑ ንክስምዑ መሰል ኣለዎም ንውሳኔ UNE ኣይተሳማማዕካሉን፧ ውሳኔ ጉዳይካ ካብ UNE ምስ መጽኣካ፡ ጉዳይካ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ተዋሂብዎ ኣሎ ማለት ኢዩ። እቲ ውሳኔ ወላ ኣይትሳማማዓሉ ድኣ እምበር፡ ትሕዝቶኡ ክትክተሎን ኣብ ግብሪ ከተውዕሎን ኢዩ ዘለካ። ኣብ ኖርወይ ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ ምንባር ምጅማር ከበድቲ ሳዕቤናት ከኸትለልካ ይኽእል ኢዩ። ካብ ኖርወይ ውጻእ ዝብል መልእኽቲ መጺኡካ ድዩ፧ ኣብቲ ካብ UNE ዝመጻካ ውሳኔ ወረቐት ካብ ኖርወይ ክትወጽእ ኣለካ ዝብል እንተድኣ ተጻሒፍዎ ኣሎ፡ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ኣገዳሲ ኢዩ።